1
ጐይታየ፣ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፣ ቀልጢፍካ ምጸኒ፣ ክጽውዓካ ኸሎኹ ንድምጸይን ጽን በሎ።
2
ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን፣ ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን።
3
ጐይታየ፣ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፣ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ።
4
ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲ፣ ንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ፣ ኣነውን ካብቲ ጥዑም ብልዖም ኣይብላዕ።
5
ጻድቕ ይውቅዓኒ፣ ለውሃት እዩ፣ ይዝለፈኒ፣ ዘይቲ ርእሲ እዩ፣ ርእሰይ ኣይእበዮ፣ ጸሎተይ ገና ብእከዮም እዩ።
6
ፈረድቶም ብገደል ምስ ጸደፉ፣ ቃላተይ ጥዑም ምዃኑ ኺሰምዑ እዮም።
7
ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚትልሞን ዚሐርሶን፣ ኣዕጽምትና ኸምኡ ኣብ ኣፍ ሲኦል ተበተነ።
8
ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታየ፣ ኣዒንተይ ናባኻ እየን፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፣ ንነፍሰይ ኣይትኽዐዋ።
9
ካብቲ ዜጻውዱለይ መጻወድያን ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይን ሐልወኒ።
10
ኣነ ኽሐልፍ ከሎኹስ፣ ረሲኣን ኣብ መጻወድያኦም ይውደቑ።